Fana: At a Speed of Life!

እቲ ሆስፒታል ሓምለዋይ ቅፅር ግቢን ምችው ፅርየትን ዘለዎ ከባቢ ፈጢሩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ሆስፒታል ኮምፕሬሄንሲቭ ሼኽ ሓሰን የበሬ ሓምለዋይ ቅፅር ግቢን ምችው ፅርየትን ከባቢ ፈጢሩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጅግጅጋ ሆስፒታል ኮምፕሬሄንሲቭ ሼኽ ሓሰን የበሬ ስራሕቲ ለውጢ ዑደት ገይሮም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤እቲ ሆስፒታል ቅድሚ እቲ ለውጢ ተሓከምቲ ምንግልተዓት ከምዝነበረን ሕዚ እቲ ኣውሃህባ ግልጋሎት ብመሰረታዊነት ዝቀየረ ስራሕቲታት ሕዚ ጋህዲ ገይሩ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ንተሓከምቲ ዝውሃብ ግልጋሎት ዝዘመኑ መሰረተ ልምዓት ጥዕና ብምምላእ ሰፋሕቲ ግልጋሎት እናሃበ ከምዝርከብ ምዕዛቦም ገሊፆም፡፡

እቲ ሆስፒታል ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ሕክምናን ዘመናዊ ናውቲ ሕክምናን ብምምላእ ንማሕበረሰብ ተጠቃሚ ፅርየት ዘለዎን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ ሰፊሕ ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣገልግሎትን ንምሃብ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ምክያዶም ሓቢሮም፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ኩለመዳይ ከምኡ እውን ዘመኑ ዝጠልቦ ህንፀት እናካየዱ ዝርከቡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሶማሌን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግናን ምዕዛቦም ገሊፆም፡፡

እተን ትካላት ብዓቕሚ ሰብ፣ ቴክኖሎጂ፣ ምሕዳስ ኣብያተ ፅሕፈት ዝንኣድ ለውጢ ይገብራ ከምዘለዋ ርኢና ኢና ኢሎም፡፡

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.