እቲ ሓዱሽ መምርሒ ጉምሩኽ ግልፅነት ዘለዎ ኣተማምና ዋጋ ሸቐጣት ንኽህሉ ዘኽእል ኢዩ – ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ሓዱሽ መምርሒ ጉምሩኽ ግልፅነትን ተኣማንነትን ዘለዎ ኣተማምና ዋጋ ሸቐጣት ንኽህሉ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ደበሌ ቃበታ፡፡
ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሓዱሽ መምርሒ ኣተማምና ዋጋ ሸቐጣት ጉምሩኽ ልዑል ተገዛእነት ሕጊ ምስ ዘለዎም ኣምፃእቲ፣ ኣፍረይቲን ኣመሓላለፍቲን ጉምሩኽ እናተዛተየ ይርከብ፡፡
ኮሚሽነር ደበሌ ቃበታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ምፍራይ ንምብርትታዕ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ተግባራትን ወጊኑ፡፡
ብመሰረት እቲ ሓዱሽ መመርሒ ቀረፅን ታክስን እንተይተኸፈለሉ ብቑፅፅር ጉምሩኽ ዝተለቐቐ ወይ እውን ዝተማለአ ስነ-ስርዓት ጉምሩኽ ዘይተፈፀመሉ ኣቕሓ ኮይኑ ቀረፅን ታክስን ክኽፈለሉ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ እንትርከብ ኣተማምና ዋጋ ጉምሩኽ ኢትዮጵያ ተፈፃሚ ከምዝኸውን ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ስነ ስርዓት ጉምሩኽ ኣብ ዝተለቐቐ ኣቕሓ ኦዲት ኣወሃህባ ድህረ ኣቕሓ እንትውገንን ወፃኢ ዕላማ ንግዲ ናብ ሃገር ብዝኣቱ ወይ እውን ብጊዚያዊነት ናብ ሃገር ኣብ ዝኣቱ ኣተማምና ዋጋ ኣቕሓ እቲ መምርሒ ተፈፂሚ ከምዝኸውን ገሊፆም፡፡
በቲ ኮሚሽን ፀዲቑ ተግባራዊ ዝኾነ መምርሒ ቁፅሪ 1080/2017 ፍትሓዊን ተኣማንነት ዘለዎን ኣገልግሎት ጉምሩኽ ንመሃብ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ንምትግባር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡
ብግዛቸው ግርማዬ