እቲ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ገፁ ናብ ልምዓት ንከዙር ዕድል ዝህብ ኢዩ – ምሁራን
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ፋኖ ኣምሓራን(ኣፋህድ) ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ገፁ ናብ ልምዓት ንከዙር ዕድል ዝህብ ኢዩ ኢሎም ምሁራን።
ተመራማሪ ሰላምን ፀፅታን ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሙሉጌታ ኣየለ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ወሳኒ ኢዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብቲ ክልል ዝተርኣዩ ፀገማት ብዙሓት ጉድኣታት ምስዓቦም ብምግላፅ፥ እቲ ስምምዕነት ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ክበፅሕ ዝኽአል ኪሳራ ዘትርፍ ኢዩ ኢሎም።
ወናኒት ብዙሓት ታሪካዊ ቀርስታትን ቦታታት ቱሪዝምን ዝኾነ እቲ ክልል ብዝነበረ ጎንፂ ዓውዲ ቱሪዝም ምጉድኡ ኣዘኻኺሮም።
ሰላም ንምፅናዕ ዝግበር ፃዕሪ ዓውዲ ቱሪዝም ሓዊሱ ኢኮኖሚ ከምዘነቓቕሕ ገሊፆም።
መምህርን ተመራማሪን ፖለቲካል ሳይነስ ዩንቨርስቲ ኣምቦ ሴነሳ ደምሴ ብግደኦም፥ ኲናት ኢኮኖሚ ሃገርን ማሕበራዊ ዝምድናን ኣዝዩ ዝጎድእ ከመዝኾነ ኣብሪሆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተገበሩ ስምምዕነታት ሰላም ህዝቢ ገፁ ናብ ልምዓት ንከዙር ዕድል ዝህብ ኢዩ እወን ኢሎም።
ብሚኪያስ አየለ