Fana: At a Speed of Life!

እቲ ኣዋጅ ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝተጠዓዓመ እዩ- ግልጋሎት ደሕንነት ፋይናንስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ወይ ድማ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲሉ ምቕራብን ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምሕጋዝን ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ገበን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ከምኡ እውን ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝተጠዓዓመ እዩ ኢሉ ግልጋሎት ደሕንነት ፋይናንስ፡፡
ብገበን ዝተረኸበ ንብረት ወይ ድማ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲሉ ምቕራብ ንግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምሕጋዝን ንምቁፅፃርን ንምክልኻልን ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 780/2005 ንምምሕያሽ ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ 1387/2017 10 ሰነ 21017 ዓ.ም ብቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ምፅዳቑ ይፍለጥ፡፡
ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ሕብረተሰብ ተወሳኺ ሓበሬታ ተበፃሒ ንምግባር ዋና ዳይሬክተር ግልግሎት ደሕንነት ፋይናንስ ሙሉቀን ኣማረ ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂቦም፡፡
ኣብቲ መግለፂ ዝተመሓየሸ ቁፅሪ 1387/2017 ምስ ነባር ኣዋጅ 780/2005 ብ58 ኣንቀፃት ኣብ 14 ምምሕያሽ ገይሩ ኢሎም፡፡
እቲ ኣዋጅ ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ከምኡ እውን ምስ ዓለም ለኸ ሕግታት ዝተጠዓዓመ ምዃኑ ተዛቦም፡፡
ምምሕያሽ ኣዋጅ ካብ ገበን ተግባር ዝተረኸበ ገንዘብ ወይ ድማ ንብረት ሕጋዊ ኣምሲሉ ምቕራብን ግብረ ራዕዲ ብገንዘብ ምርዳእ ገበን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝግበር ዓለም ለኸ ፃዕሪ ኢትዮጵያ ግዲኣ ብግቡእ ንክትዋፃእ ዘኽእል እዩ ኢሎም፡፡
ተግባር ገበንን ቅፅዓት ዘይምጥዕዓምን መልክዕ ንምትሓዝ ዘኽእል ምዃኑ ብምሕባር÷ብሽፋን ዝስርሑ ከይዲ ምርመራታት ወይ ድማ ከይዲ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ጥራሕ ዝካየድ ምዃኑ ኣብራህሪሆም፡፡
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.