እናዓበየ ዝመፅአ ኮንፈረንስ ቱሪዝም
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እናዓበየ ዝመፅአ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ንኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲን ንግዲን ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ተመራፂት ይገብራ ኣሎ።
መንግስቲ ዝወገኖም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሪፎርምን ህንፀታት መሰረተ ልምዓትን ስዒቡ ኣብቲ ዓውዲ ምንቕቓሕ ብምፍጣር ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ኢትዮጵያ እወንታዊ ፅዕንቶ አሕዲሩ ኢዩ።
በዚ ድማ መዲና ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኣብ መድረኽ ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ተመራፂት መብፅሒት ኮይና ትርከብ።
ነዚ ድማ ከም ኢንተርናሽናል ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ፣ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ፣ ፓርክ ምሕዝነትን ሳይንስ ሙዚየምን ዝበሉ ዘበናዊ ሜጋ ፕሮጀክታት ንዓለም ለኸ ኣኼባታት ዘለዋ ድሉውነትን ፅባቐን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘሰጋገሩ ቁልፊ ስራሕቲ ኢዮም።
ዓለም ለኸ ማሕበር ኮንግረስን ኮንፈረንስን እውን ኣዲስ ኣበባ ልዑል ዕዱም ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎም ማእኸላት መእከቢ ብምልማዕ ብዙሓት ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ብብቕዓት እናተኣናገደት ከምትርከብ ምስክርነቱ ሂቡ ኢዩ።
እዚ ለውጢ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እንተይተወሰነ ናብ ክልል ከተማታት እውን ብምስፋሕን ብምስግጋርን ከም ኣዳማ፣ ባህር ዳር፣ ኣርባ ምንጭ፣ ድሬዳዋ፣ ጅማን ሃዋሳን ዝበላ ከተማታት ብዘበናዊ መእከቢ ኣዳራሻትን ብልዑል ደረጃ እናዓበየ ብዝመፅአ ናይ ሆቴል ኢንዱስትሪን ተወዳደርቲ ክኾኑ ዝኸኣሉሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኢዩ።
ቁፅሪ ሆቴላት ምብርካት እውን ናይ ክልል ከተማታት ብሄራዊን ዞባዊን ኣኼባታት ብብቕዓት ንኸተኣናግዱ ዕድል ብምፍጣር፣ ፍሰት ቱሪስት ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ክስፋሕፋሕን ተጠቃምነት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ኣረጋጊፁ።
ዕቤት ኮንፈረንስ ቱሪዝም ኣብታ ሃገር ኣብ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዘምፀኦ ውፅኢት ኣዚዩ ዝበረታታዕ ምዃኑ ሚኒስቴር ቱሪዝም ገሊፁ።
እዚ ዓወት ኣብ ቀፃሊ እውን ንኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ መሪሕ ማእኸል ጉባኤ ቢዝነስን ቱሪዝምን ንምግባር ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ከም ዋና ሞተር ኮይ የገልግል።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!