Fana: At a Speed of Life!

እንሃንፆ መንግስቲ ብቅድመ መረፃ ተሳትፎና ዝውሰን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እንሃንፆ ሕጋዊን ህዝባዊን መንግስቲን ዝውሰን ኣብ ቅድመ መረፃ ብእንገብሮ ተሳትፎና ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል 1 ሺሕን 447 በዓል ዒድ ኣል ፈጥር ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መግለፂ ሰናይ ትምኒት እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ግንቦት ዝካየድ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ኢትዮጵያ ናብ ቀፃሊ ብሩህ ዘበና ትሰጋገረሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ መረፃ ሃገርና ዓወት ዴሞክራሲ ትጎናፀፈሉ፤ ናብ ቀፃሊ ብሩህ ዘበና ትሰጋገረሉ በሪ ኢዩ ብምባል ገሊፆም።

ከም ሃገር ንዓመታት ዴሞክራሲ እናናፈቕና ፀኒሕና፤ ጉዕዞና ጥጡሕ ባይታ ኣይነበረን እውን ኢሎም።

ድሕሪ ፈተና በረከት፣ ድሕሪ ምብርታዕ ሓጎስ ከምዘሎ ካብ ፆም ሮመዳንን በዓል ዒድ ኣል ፈጥርን ንመሃር ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ መንፈሳዊ ይኹኑ ዓለማዊ ጉዳያት ዘርኢን ፍርያትን ዝተኣሳሰሩ ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም።

እንሃንፆ ሕጋዊን ህዝባዊን መንግስቲን ዝውሰን ኣብ ቅድመ መረፃ ብእንገብሮ ተሳትፎና ኢዩ ብምባል፤ ተሳትፎና እንተፀሊሙ ዴሞክራሲና እውን ክፅልም ኢዩ ኢሎም።

ትሑት ተሳትፎ ጥንኩር ዴሞክራሲ ክውለድ ከምዘይከኣል ብምሕባር፤ ዜጋታት ኣብቲ መረፃ ጥንኩር ተሳትፎ ንኽገብሩ ፀዊዖም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.