Fana: At a Speed of Life!

እኹል ቀረብ ፍርያት እንቋቑሖ ንኽህሉ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘጋጠመ ወሰኽ ዋጋ እንቋቑሖ ንምርግጋዕ ኣብ ዕዳጋ ሰንበት እኹል ቀረብ ፍርያት እንቋቑሖ ንኽህሉ እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘካየዶ መፅናዕቲ ዕዳጋ ሓደ እንቋቑሖ ካብ 20 ክሳብ 21 ብር እናተሸጠ ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ወሰኽ ዋጋ ንምርግጋዕ እንታይ ይስራሕ ኣሎ ብዝብል ሕቶ መልሲ ዝሃቡ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣሸናፊ ብርሃኑ፤ ወሰኽ ዋጋ እንቋቑሖ ቀንዲ ምኽንያት ወሰኽ ዋጋ ቀለብ እንስሳ ብምውሳኹ እዩ አሎም፡፡

ብተወሳኺ ተደራራቢ በዓላት ንሕፅረት ፍርያት እንቋቑሖን ወሰኽ ዋጋን ምኽንያት ምዃኑ ኣረዲኦም።

ብምዃኑ ኣብ 210 ዕዳጋታት ሰንበት ብሰፍሓት ቀረብ ፍርያት እንቋቑሖ ንኽህልው ምስ ኣፍረይቲ ብምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ንምርግጋዕ ይሰርሕ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

ብእፀገነት ኣመሃ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.