እወንታዊ ክብሪታት ንምህናፅ ኩለን ትካላት ብምትሕብባር ክሰርሓ ይግባእ – ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እወንታዊ ክብሪታት ንምህናፅ ኩለን ትካላት ብምትሕብባር ክሰርሓ ከምዝግባእ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ኣገንዚቡ።
መበል ሳልሳይ ዓለም ለኸ ናይ ሰላም፣ ሕብረትን ልምዓትን ጉባኤ 5 ክሳብ 6 ግንቦት 2017 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያዱ ይዝከር።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ጉባኤ መጋቤ ይታገሱ ሃይለሚካኤል ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እወንታዊ ክብሪታት ኣብ ህዝቢ ንምህናፅ ብሓደ ትካል ጥራሕ ክኸውን ኣይብሉን ኢሎም።
ብፍላይ ትካላት ሃይማኖት ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ክብሪታት ጥንክር ዝበሉን ተኸታተልቲን ተምህርታት ምሃብ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝውዝዑ ክብሪታት ዝሽርሽሩ መልእኽቲታት ንምቅላስ ሃይማኖታዊን ሃገራዊን ክብሪታት ክቃለሳ ከመዝግባእ ተዛሪቦም።
ብቴዎድሮስ ሳህለ