Fana: At a Speed of Life!

እዚ ደቡብ ሃገራዊ ግቡኡ ብብቕዓት እናተዋፀአ ይርከብ – ሜ/ጄ ኣድማሱ ኣለሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ኣዛዚ እዚ ደቡብ ሜጀር ጄነራል ኣድማሱ ኣለሙ ሰራዊት ምክልኻል ሃገራዊ ግቡኡ ብብቕዓትን ጅግንነትን እናተዋፀአ ይርከብ ኢሎም፡፡

ሜጀር ጄነራል ኣድማሱ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ እዚ ደቡብ ኩለመዳያዊ ናይ ምግባር ዓቕሚ እቲ ሰራዊት ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ሰራዊት ሃገራዊ ልኡኽቶኡ ብዝግባእ ንኽዋፃእ ብስነ ልቦና፣ ኣካላዊ ብቕዓት፣ ወታደራዊ ሳይንስን ዲሲፒሊንን እናተሃነፀ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

እቲ እዚ ኣብ ዝንቀሳቐሰሎም ከባታት ዘላቒ ሰላም ንምዕሳልን ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣፍረስቲ ሓይሊታት ኣድላዪ ስጉምቲ ብምውሳድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ሰላም ኣየር ክትንፍስ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

ካብ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኣፍራሲ ልኡኽቶ ብምቕባል ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ልምዓት ንምትዕንቓፍ ዝሰርሑ ሓይሊታት ኣይንዕገስን ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.