Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ሃዋሳ ንከተማ አርባምንጭ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 29 ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ከተማ ሃዋሳ ንከተማ አርባምንጭ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡

ከተማ ሃዋሳ ብሕታዊት ሽቶ ዘቁፀረ እስራኤል እሸቱ ናይ ዓወት ሸቶ ምስ መረብ ኣራኪብዋ።

ከተማ ሃዋሳ ንኻልኣይ ተኸታታሊ ዓወት እንተመዝግብ፤ ከተማ አርባምንጭ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተከታተልቲ ፀወታታት ስዕረት ኣጋጢምዋ እዩ።

ነዚ ውፅኢት ስዒቡ ከተማ ሃዋሳ ብ34 ነጥቢ ኣብ መበል 12 እንትኾን ከተማ አርባምንጭ ድማ ብ35 ነጥቢ ኣብ መበል 11 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

እቲ ሊግ ኣብ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 12 ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ሲዳማ ቡና ክጋጠማ እየን።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.