Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ልዕሊ 233 ሺሕ ንዝኾኑ ነበርቲ እታ ከተማ መኣዲ ኣካፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ንማሕበራዊ ፀገም ዝተቓልዑ ልዕሊ 233 ሺሕ ንዝኾኑ ነበርቲ መኣዲ ኣካፊለን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ንማሕበራዊ ፀገም ንዝተቓልዑ፣ ንጉዱኣት ኣካል፣ ሓጋዚን ተዋሪን ንዘይብሎም ሰብ ውዕውለታ ሃገር ኣረጋውያንን ብትሑት ኣታዊ ንዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሓደሻ ልዕሊ 233 ሺሕ ንዝኾኑ ወገናትና መኣዲ ኣካፊልና ኢለን።

እዚ ተግባር ኣብታ ከተማ ናይ ማእኸል ቤት ዕዮታት፣ ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማታትን ወረዳታትን እናተወገነ ዝርከብ ሰናይ ተግባር ከምዝኾነ ኣመልኪተን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.