Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ኢሬቻ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንበዓል ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ 2018 ዓ.ም ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ኢሬቻ ብህዝቢ ኦሮሞ ንፈጣሪ ምስጋና ዝቐርበሉ፣ ምስ ሰብ ሰላም፣ ፍቕሪን ሓድነትን ዝካየደሉ፤ ሓዱሽ ተስፋን ብሩህ ዘበንን ዝብሰረሉ በዓል ኢዩ ኢለን።

ኣብ ዩኔስኮ ናይ ዝተመዝገበ ስርዓት ኣባ ገዳ ኦሮሞ ሓደ ኣካል ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ናይ ሃገርና መልከዕ ብዙህነት፣ ዓምዩቕ ፅባቐ ንመልላእ ዓለም ካብ ዘርኣዩን ዘቐመጡን በዓላት ሓደ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ህዝቢ ኦሮሞ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝብታት ብምዃን ብዘካየዶም መሪር ቃልሲ ካብ መንጎ ዝረኸቦም ዓወታት ሓደ ኢሬቻ ሆረ ፊንፊኔ ከብረ በዓል ኣብ ጥንታዊ ቦትኡ ምኽባር ምኽኣል እንትኸውን፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓማውቲ ብልዑል ድምቀት ባህላዊ ክብሩን ትውፊቱን ሓሊዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ ኢለን።

ህዝቢ ኣቢስ ኣበባ ምስ ኣሓትን ኣሕዋትን ህዝቢ ኦሮሞ ብሓባር ኣብ ዘኽብሮ እዚ ዓቢዪ በዓል ከም ኩሉ ግዘ ናይ ኣደባባይ በዓላት አንትኽበሩ ነቶም በዓላት ድምቀትን ብዝፀበቐ መገዲ ምዝዛምን ከምዝግበር ነዚ እወን ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ምግባሩ ኣረዲአን።

ሓድነት፣ ሕውነት ብዘፅንዕ መገዲ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝነብሩ ህዝቢ ኦሮሞ ይኹን ብጋሻነት ምስ ዝመፅኡ ወገናት ብምዃን እቲ በዓል ክብሩ ሓሊዩ ንክኽበር ንምግባር ከምዝሰርሐ እወን ሓቢረን።

እቲ ነባሪ ንዝገበሮ ኩለ መዳይ ምትሕብባርን ተበግሶን አመስጊነን።

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.