ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ን30 ሺሕ መናእሰይ ጎስጓስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣጀሚረን
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ን30 ሺሕ መናእሰይ ጎስጓስ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣጀሚረን።
እተን ከንቲባ ኣብቲ ጎስጓስ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ከምዝበለኦ፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ መናእሰይ ተረባሕቲ ንምግባር ብፍሉይ ትኹረት እናሰርሐ ይርከብ፡፡
ሎሚ እንሃንፆ ትውልዲ ብክእለትን ፍልጠትን ዝማዕበለን ፀገም ፈታሒን ንኽኸውን እናተጋህና ንርከብ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ን30 ሺሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ናይ ምፍጣር መርሃ ግብሪ ናይዚ መርአያ ከምዝኾነ ኣልዒለን።
በዚ ድማ መናእሰይ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ሕርሻ ከተማ፣ ኮንስትራክሽን፣ ንግዲ፣ ኣገልግሎትን ኣፍረይቲ ዘፈራትን ስራህ ክጅምሩ ኢዮም ኢለን።
ኣብታ ከተማ ዝፍጠር ዕድል ስራሕ ዕዳጋ ስራሕ ብዝድለ መጠን ንኽኸውን ንመናእሰይ ስልጠና እናተውሃበ ከምዝርከብ እውን ሓረን።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!