Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 5ይ ስራሕ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣዲስ መሶብ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 5ይ ስራሕ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣዲስ መሶብ ብዕሊ ኣጀሚረን፡፡

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላፈኦ መልእኽቲ÷ ኣብ ድሮ ሻምናይ ዓመት ሃገራዊ ለውጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓምሻይ “ዲጂታል ማእኸል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኣዲስ መሶብ” ብዕሊ ኣጀሚርና ኢለን።

ኣዲስ ኣበባ ሕዚ ንዝበፅሐቶ ኩለመዳይ ለውጢን ዕቤትን ብቆራፅነት ናይ ለውጢ መንግስቲ ዝተመዘገቡ ውፅኢታት 24 መጋቢት ከምዝኾኑ ገሊፀን።

ካብ መዲና ኢትዮጵያ ተሳጊራ ኩርዓት ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ብተግባር እውን ከም ስማ ውቅብቲ ንምግባር ናይ ለውጢ መንግስቲ ተግባራዊ ዝገበሮም ስራሕቲ ልምዓት ታሪኻዊና ዘበን ዝሳገሩን ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢለን።

ካብ ሞንጎ ዓወታት ናይ ለውጢ መንግስቲ ሓደ ዝኾነ “ኣዲስ መሶብ” ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ኢዩ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ስርዓታት መንግስቲ ብዝተለዋወጡ ቁፅሪ ቃል እናተኣተወ ንምልዋጥ ፃዕሪ ይገበር እምበር እንተይተለወጠ ፀኒሑ ተገልጋሊ እናማረረ ዝነበረን ሱር ዝሰደደን ብዝተጓተተ ቢሮክራሲ ዝተመልአ ኣሰራርሓ ካብ መሰረቱ ዘትርፍ ኢዩ ኢለን።

ግዘ፣ ወፃኢን ጉልበትን ዝባኽነሉ ከምኡ እውን ፅሬትን ቅልጣፈን ዝረሓቖ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብተግባር ብምልዋጥ ሓዱሽ ምዕራፍ ምኽፋት ከምዝተኸኣለ እውን ኣብሪሀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.