Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዓለም ለኸ ውድድር ፅባቐ ካልኣይ ደረጃ ንዝሓዘት ሃሴት ደረጀ ሽልማት ሂበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ህንዲ ሃይድራባድ ኣብ ዝተዳለወ  ዓለም ለኸ ውድድር ሚስ ወርልድ’  ፅባቐ ካልኣይ ደረጃ ንዝሓዘት ሃሴት ደረጀ ሽልማት ሂበን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ሃገርን ጥበብን ንብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከተማዊ መድረኽ ዘተ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ከንቲባ ኣዳነች፥ ኣብ መበል 72 ውድድር ፅባቐ ካልአይቲ ብምውፃእ ናይ ኢትዮጵያ ሽም ኣብ መድረኽ ዓለም ክብ ኢሉ ንክፅዋዕ ንዝገበረት ሃሴት ደረጀ ሽልማት ወርቂ ሂበን።

ሃሴት ኣብዚ እዋን ኣብ መድረኽ ዓለም ዘርኣየቶ ብቕዓት ንብዙሓት መናእሰይ መርኣያ ዝኸወን ኢዩ ኢለን።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.