Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዞባ ጋሞ ብዝተፈጠረ ምግህማስ መሬት ብዝበፅሐ ጉድኣት ሓዘነን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዝተፈጠረ ምግህማስ መሬት ዝበፅሐ ጉድኣት ሓዘነን ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተፈጠረ ምግህማስ መሬትን ሓደጋ ውሕጅን ብዝበፅሐ ጉድኣት ብዝተሰመዐን ከቢድ ሓዘን ክገልፅ ይደሊ።
በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ስድራቤታት፣ ንፈተውትን መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።
ኣብ ቀፃሊ ብሓደጋ ዝተጎድኡ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ህዝብን ኣብ ጎንኹም ደው ከምዝብል ኣረጋጊፀን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.