ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 253 ገዛውቲ ንሰብ ውዕለታ ሃገር ኣረኪበን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ 253 ገዛውቲ ንሰብ ውዕለታ ሃገርን ሓጋዚ ንዘይብሎም ክፋላት ሕብረተሰብን ኣመሓላሊፈን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ኣዚዮም ስለዝጎሳቖሉ ፈሪሶም ዝተሃነፁ 253 ገዛውቲ ኢዮም ቅድሚያ ንዝግበኦም ሰብ ውዕለታ ሃገርን ሓጋዚ ንዘይብሎም ክፋላት ሕብረተሰብን ኣረኪበን ዘለዋ፡፡
ብኣገልግሎት ወለንታ ክረምቲ ካብ ዝተሃነፁ ልዕሊ 3 ሺሕ ኣባይቲ እቶም 1 ሺሕን 924 ኣባይቲ ቅድሚያ ንዝግበኦም ወገናት ከምዝተመሓላለፉ እተን ከንቲባ ተዛሪበን፡፡
እቶም ገዛውቲ ዘነፅሁ፣ መሰረታዊ እታወታት ዝተማልኡሎም፣ ዘበናዊን ጥዑይን ሜላ ኣነባብራ ዝፈጥሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ናይ ባዕሎም ቀፅሪ፣ ሓበራዊ መገልገሊ፣ መዘናግዒ ህፃናትን ናይ ንግዲ ሹቓትን ዘካተቱ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!