Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 5ይ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣጀሚረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ “ኢትዮጵያ ተፍሪ፣ ኣዲስ ኣበባ ትማዕብል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ን5ይ ግዘ ዝካየድ ከተማ ሓቆፍ ጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚረን።

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተዓፂዮም ዝነበሩ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ናብ መፍረያይነት ብምምላስ፣ ፋይናንስን መፍረዪ ቦታታትን ብምምችቻው፣ ምእትእስሳር ዕዳጋን ስግግር ፍልጠትን ኣብ ምፍጣር ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም፡፡

በዚ ድማ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዝወሰዶም ስጉምቲታትን ኣብቲ ዓውዲ እናተወገኑ ብዝርከቡ ተግባራትን ጭቡጥ ለውጢ ምምዝጋብ ክኢልና ኢለን።

ብፍላይ ኣብ መዳይ ተካእቲ ፍርያታት ተረባሕነት ፍርያት ውሽጢ ሃገር ባህሊ እናገበረ መፂኡ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኣፍረይቲ ኣብ ቀፃሊ እውን መዓልታዊ ፅሬት ፍርያት ብምድንፋዕ ተወዳዳራይነቶም ከዕብዩ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ነበርቲ እታ ከተማ እውን ብኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ፈርዮም ዝቐረቡ ፍርያታት ንኽዕዘቡን ክዕድጉን እተን ከንቲባ ፀዊዐን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.