Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ነበርቲ መንበሪ ገዛ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ፣ ጉዱኣት ኣካልን ሰብ ውዕለታ ሃገርን መንበሪ ገዛ ኣረኪበን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ መዲና ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ግዚኡ ብዝጠልቦ መልክዑ ንባዕላ እናዘመነት ትርከብ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ነታ ከተማ ማእኸል ዲፕሎማሲነት ዝምጥኑ መንበሪ ኣባይቲ ሓዊሱ ካልኦት ፕሮጀክታት ከምዝተሃነፁ ኣዘኻኺረን፡፡

ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ከተማ ዝተሃነፁ 215 መንበሪ ኣባይቲ ምስ ሙሉእ ናውቲ ገዛን መውዐሊ በዓልን ንነበርቲ ከምዘበርከታ ተዛሪበን፡፡

ብኣንዷለም ተስፋዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.