“ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ካብ ርሕቕ ናይ ምትራፍ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት ሃኒፅና ኢና”ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣታት ካብ ርሕቕ ናይ ምትራፍ ብቕዓት ዘለዎ ሰራዊት ሃኒፅና ኢና ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
ኮሌጅ ኣዛዝነትን ስታፍን ሰራዊት ምክልኻል ንመበል 15 እዋን ዘሰልጠኖም ካብ ኩለን ክፍለ ሰራዊታት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት መኮንናት ኣመሪቑ።
ኣብ ስነ ስርዓት እቲ ምረቓ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ሓዊሱ ኣመራርሓ እቲ ሰራዊት፣ ኣምባሳደራትን ወተሃደራዊ ኣታሼታትን ተረኺቦም።
ዋና ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ብርጋዴር ጀኔራል ሙሉጌታ ኣምባቸው፥ ተመረቕቲ ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ቀፃሊ ዝወሃቦም ልኡኽ ብብቕዓት ንምፍፃም ዘኽእል ስልጠና ወሲዶም ኢዮም ኢሎም።
እቲ ስልጠና እዚ ዘበን ዝሓቶ ፍልጠት ብምጭባጥ ንኢትዮጵያ ብዝለዓለ ደረጃ ምግልጋል ከምዘኽእሉ ዘዳልዎም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብየሻምበል ምህረት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!