ከፈልቲ ግብሪ ዝተሓሰበሎም ደረሰይ ናብ ማእኸላት ታክሲ ብምኻድ ክሰወስዱ ይግባእ – ሚኒስቴር እቶት
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ግእቶት ከፈልቲ ግብሪ ንመቕፃዕቲ ከይቃልዑ ዝተሓሰበሎም ደረሰይ ካብ ማእኸላት ታክስ ንኽወስዱ ኣተሓሳሲቡ።
ፍሉይ መፍለዪ ኮድ ዘለዎ መሸጣ ኢድ ብኢድ ናይ መሸታ ደረሰይ ካብ ሎሚ መዓል ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ትግባር ምእታዉ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ሚኒስቴር እቶት ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን በፍርዱ መሰረት ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበለኦ÷ ምጭብርባር ታክስ ንምክልኻል ነባር ደረሰይ ብሓዱሽ ምቕያር ኣድልዩ ኢዩ።
እዚ ሕትመት ሰረሰይ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ፣ ብዓይኒ ዘይረአ ፍሉይ ኮድ ዘለዎን ብብርኪ ሃገር ተመሳሳሊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ክህሉ ብምግባር ዘይሕጋዊ ደረሰይ ብልዑል ኩነታ ንምንካይ ዘኽእል ኢዩ ኢለን።
በዚ ድማ እቲ ሕጊ ናይ ሒሳብ መዝገብ ንኽሕዙ ዝግደዱ ከፈልቲ ግብሪ ኩሎም እዚ ደረሰይ ናይ ምሕታም ግቡእ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም፡፡
ናይ ሒሳብ መዝገብ ናይ ምሓዝ ግቡእ ዘይብሎም ከፈልቲ ግብሪ ድማ መዝገብ ሒሳብ ክሕዙ ክንዲዝደለዩዎ ደረሰይ ከሕትሙ ከምዘለዎም ኣብሪሆም።
ብመሳፍንት እያዩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!