Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ተግባራት ተኻይዶም -ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብልዑል ፀጋ ሉኣላዊነት ንምርግጋፅን ኩለመዳያዊ ዕብየትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ብዙሓት ተግባራት ተካይዶም ኢለን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል።

ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብመንግስትን ፓርትን ብምትሕብባር ዝተካየዱ ዓበይቲ ተግባራት ዝግምግም መድረኽ ኣብ ድሬዳዋ ይሳለጥ ኣሎ።

ካብ ተፀባይነት ንምውፃእ ዝግበር ፃዕሪ፣ ዕድል ፈጠራ ስራሕ፣ ምርግጋእ ዕዳጋን ምንካይ መነባብሮ ዋጋን ካልኦት ጉዳያትን ብምድህሳስ ዝተኻየዱ ቀንዲ ቀንዲ ተግባራት ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ብዝምልከት ብስፋሓት ዘተ ተካይዱ።

ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ዝሃባ እተን ሚኒስትር ንዜጋታት ኣብ ወፃኢን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ዕድል ስራሕ ብምምችቻውን ዕዉት ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢለን።

ካብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ብዝዘለለ ካልኦት ዓውዲታት ርኡይ ውፅኢት ምምዝጋቦም ኣረዲኦም÷ ኣብ ቀፃሊ እውን ብዝተጠናኸረ መገዲ ከምዝቕፅል ከምኾነ ምርግጋፆም ግዜኤ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

Top of Form

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.