ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ቀፃሊ ሰኑይ ጀሚረን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዕለት 5 መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚረን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምራ ኢየን
ንምምሃር ምስምሃር ኣድላዪ ዝኾኑ ናውቲታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝተኻየዱ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃእ ዝኾኑ ተምሃሮ ሓዊሱ ዐድሚኦም ንትምህርቲ ዝበፅሑ ህፃናትን ተምሃሮን ናብ ኣብያተ ትምሀርቲ ንክመፅኡ ወለዲ፣ መምህራንን መዳርግቲ ኣካላትን ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ፃውዒት ምቕራቡ ይዝከር።
ካብ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ዝርከብ ተምሃራይ ተንቀሳቓሲ ስልኪ፣ ታብሌትን ዝኾነ ይኹን ኣብ ነትምህርቲ ፅዕንቶ ዘሕድር ዝኾነ ይኹን ኤሌክትሮኒክስ ሒዝካ ምምፃእ ተኸልኪሉ።
ካብ 1 ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ መልላእ ሃገር ምዝገባን ካልኦት ተግባራትን ክካየዱ ምፅንሖም ይዝከር።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!