ኩባንያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኩባንያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ጌዲዮን (ዶ/ር) ብሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ኩኒሚትሱ ኣያኖ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ተዛቲዮም።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያን ጃፓንን ታሪኻዊ ርክብ ዘለወን ከምኡ እውን ኣብ ክልተኣዊን በበዓል ብዙሕ ወገንን መድረኻት ርክብ ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘለወን ገሊፆም።
ጃፓን ንእትገብሮም ሓገዛት ልምዓት ዘመስገኑ ጌዲዮን (ዶ/ር)÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብንግዲን ኢንቨስትመንትን እናተመሓየሸ ምምፅኡን ብዝበለፀ ክጠናኸር ከምዝግባእን ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ልዕሊ 35 ኩባንያታት ጃፓን ንዝተውፃእፅኡ 48 ጉጅለ ልኡኽ ቢዝነስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኣማራፂታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብዝምልከት ገለፃ ምሃቦም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።
ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ኩኒሚትሱ ኣያኖ ብግደኦም÷ ርክብ ኢትዮጵያን ጃፓንን ብንግዲን ኢንቨስትመንትን ዝበለፀ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!