Fana: At a Speed of Life!

ኪነ ጥበብ ኣብ መንነት ሃገር ዕቤትን ቁልፊ ግደ ይፃቱ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ካብ መላእ ኢትዮጵያ ምስ ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥበብ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ጥበባት ንመንነት ሃገርን ዕቤትን ቁልፊ ከምዝኾኑን ባሃላዊ ሃፍቲ ሓሊዮም ዘፅንሑ ከምዝኾኑን ኣብሪሆም።

ጥበባት ንማሕበራዊ ሓድነት ኣጠናኺም ብምስራሕ ብዙሕነት ንዘለዎም ማሕበረሰባት ድምፂ ይኾኑ ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ድማ ፈጠራን ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባን ከምዘዕብዩ ፀሪሖም።

ካብዚ ብተወሳኺ ጥበባት ኣብ መዳይ ኢኮኖሚ ፈጠራ፣ ቱሪዝምን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ናይ ምምራሕ ዓቕሚ ከምዘለዎም ኣመልኪቶም።

እቶም ተወከልቲ ብዝተፈላለየ ብርኪ እናተኻየደ ኣብ ዝመፅአን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ቁልፊ ጉዳያትን ንምፍላይ ኣብ ዝሕግዝ ሰፊሕ መርሃ ግብሪ ዘተ ዝተሳተፉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ እታወታት ብምጥንኻር ናይ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትኹረትን መፍትሒ ዝጠልቡ ከምኡ እውን ኣብዚ መዳይ ዝተዋፈሩ ኣካላት ግደኦም ዝዋፅኡሎም ጉዳያት ኣብ ምፍላይ ዘድሀበ ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.