Fana: At a Speed of Life!

ኪን ኢትዮጵያ በዓል ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ናብ ኬንያ ክጓዓዝ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ‘ጉጅለ ኪን ኢትዮጵያ ባህሊን ጥበብን’ በዓል ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ሎሚ ምሸት ናብ ኬንያ ክጓዓዝ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ዴዔታ ባህሊን ስፖርትን ነብዩ ባዬ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ኪን ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ባህሊን ጥበብን ኢትዮጵያ ንምፍላጥ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ስራሕቱ ኣቕሪቡ አሎም።

‘ኪን ኢትዮጵያ ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ድግስ ጥበብ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቻይና፣ ጃፓንን ሩሲያን ኣብ ሸሞንተ መድረኻት ስራሕቱ ምቕራቡ ኣዘኻኺሮም።

ሎሚ መዓልቲ ድማ እቲ ጉጅለ በዓል ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ናብ ኬንያ ጉዕዞ ከምዝገብር ብምሕባር÷ ዕላማ እቲ ጉዕዞ ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያ ባለፈ በዓል ዓወት ናፅነት ኣፍሪካ ኮይኑ ከምዝኽበር ገሊፆም።

ናይዚ ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብብርኪ መንግስቲ ካብ ኢትዮጵያ ወፃእ ንመፈለማ እዋን ምኽባሩ ዝተፈለየ ከምዝገበር ኣብሪሆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.