ካምፕ እንበር ፕሮጀክት ዘይነበሮ ግድብ ኮይሻ ሐዚ ኣብ 128 ሜትር ብራኸ ይርከብ – ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካምፕ እንበር ፕሮጀክት ዘይነበሮ ግድብ ኮይሻ ሐዚ ኣብ 128 ሜትር ብራኸ ይርከብ ኢሎም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ‘ምርኣይ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኮይሻ’ ብዝብል ሚል ርእሲ ናይ 2018 በጀት ዓመት ናይ መጀመሪያ 100 መዓልታት ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኮይሻ ግድብ ምስ ሚኒስትራት ኣካይዶም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ መብርሂ፤ ንመጀመሪያ ጊዜ ኮይሻ ግድብ ምህላዉ ዝሰማዕኹ ንዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ 1 ቢሊየን ዩሮ ሳሊኒ ብሳልሳይ ወገን ኣወሲኑ ኢዩ ተባሂሉ ምስኡ ድርድር እንትገብር ኢዩ ኢሎም።
ድሕሪኡ ሳሊኒ ሓዊሱ ምስ ዝተፈላለዩ ሞያተኛታት ብምዃን ናብ ኮይሻ እንተምርሑ ካምፕ እንበር ፕሮጀክት ዘይምንባሩ ብምዝኽኻር፥ ሓንበቲ ኪሎ ሲሚንቶ ኣብቲ ፕሮጀክት ከምዘይተወሰኸ ተዛሪቦም።
ብኣንፃሩ ንስራሕቲ እቲ ግድብ ዝሕግዙ ሓመዳት ንምውፃእ መጠነኛ ኳዕቲ ዝተጀመረ እንትኸውን፥ እሱ እውን ብሕፅረት ገንዘብ ተቛሪፁ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ኣብቲ እዋን ጠቓምነት እቲ ፕሮጀክት ተገንዚቦም ናብ ግቤ 3 ብምዃድ ዝምድንኡን ኣድላይነቱን ምርኣዮም ሓቢሮም።
እዚ ጉዳይ ከመይ ገይርና ክነጀምሮን ክነዐውቶን ከምእንኽእል ተዛቲና ኢሎም።
ቀረብ ድልየት ኤሌክትሪክ ንምምጥጣን ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምእማን እቲ ፕሮጀክት ንክጅመር ውሳነ ከምዘመሓላለፉ ተዛሪቦም።
ንስራሕቲ እቲ ግድብ፣ ስፒል ወይን ፓወር ሃውስንዝውዕል 15 ሚሊየን ኪዩቢክ ሜትር ሓመድ ተዘቚቑ ምውፅኡ ገሊፆም።
ድሕሪ እዚ 5 ነጥቢ 4 ሚሊየን ኪዩቢክ ሜትር ኮንክሪት ከምዝተሰርሕ ገሊፆም።
ሐዚ ግድብ ኮይሻ ካብ ግድብ ህዳሰ ብ17 ሜትሮ ትሕት ኢሉ ብ128 ሜትሮ በሪኹ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ካብ ኢትዮጵያውያን ዝተደመረ ፃዕሪ ወፃእ ስለዝወሰንንናን ገንዘብ ስለዝሰላዕናን ጥራሕ ፕሮጀክት ምዕዋት ኣይከኣልን ብምባል፥ ፕሮጀክት ብቑርፀኛ ሙያተኛታትን ዝሕልዎ ፈታዊ ሰላም ሕብረተሰብን ከምዝደሊ ገሊፆም።