ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልተ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዓመት 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝቐረቡሉ ክልተ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ አሕሊፉ፡፡
ፈለማ ኣጀንዳኡ ኣብ ልምዓት ኮሪደርን ልምዓት ወሰን ሩባን ብመንግስቲን ውልቀ ምሕዝነትን ዝተፈረመ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ንዝለምዑ 30 ፕሮጀክታት ልዕሊ 733 ቢሊየን ብር ብዝኾነ ወፃኢ 37 መልማዕቲ ንምድደጋፍ ኣብ ዝቐረበ ኣጀንዳ ተዛቲዩ፡፡
በዚ ድማ እቶም ፕሮጀክታት ብመንፅር ዘለዎም ኢኮኖሚያዊ ረብሓ፣ ምስ ዝፈጥሩዎ ሰፊ ዕድል ስራሕን ልምዓት ከተማን ብምግምጋም ኣብቲ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝታይ ነቲ ውሳነ ኣፅዲቑዎ፡፡
እቲ ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ብካልኣይ ብርኪ ዝተዛተየ፤ ኣብ ደምቢ ኣፈፃፅማ ዝውውርን ምደባ ሰልጠንቲ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢዩ።
ኣብቲ ዘተ ድማ ኣብ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ፅሬት ዘለዎ ስልጠና ንመሃብ፣ ኮሌጃት ውፅኢታዊ ኣብ ምግባርን ብዝወደበ መልክዑ ንምምራሕን ብዘኽእል መልክዑ እቲ ደምቢ ምውፅኡ ዝህቦ ሓገዝ ዕዙዝ ስለዝኾነ እቲ ደምቢ ምደባ ንኽፀድቕ ከምዝወሰነ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!