ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 5ይ ዓመት 1ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ዘካየደ እንትኸውን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ብመሰረት እዚ፡-
1ይ ኣብ ኣተገባብራ መፅናዕቲ ርእስኻ ብምኽኣል ዝለምዕ ቦታ ንኡሽተይ ስፍሓትን ፊት ንፊት ምስሊን ንውሓት ( set back) ብምዝታይ ዕቤት ከተማ ተሓሳቢ ዝገበረ ኣተገባብራ ምቹው ብዝገበረ ዝቐረበ መፅናዕቲ ረብሕኡ ዕዙዝ ብምዃኑ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡
2ይ በዓል መዚ ምሕደራ ብልምዓት ኮሪደር ዝለምዑ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታትን ልምዓት ወሰን ሩባን ንምጥያሽ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ደምቢ ብምዝታይ ናይ ምምሕዳር፣ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ምሕላውን፣ ምትሕብባርን ናይ ምውዳድን ሓላፍነት ክህልዎ ተገይሩ ክጣየሽ ወሲኑ።
3ይ ምሕደራ ትሕዝቶ መሬት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ግቡእነት ዘለዎ ኣካል እንተይፈቐደ፤ ዝተትሓዙ ትሕዝቶታት ኣገልግሎት ናይ ምሃብ ግዘ ንምንዋሕ ኣብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡
4ይ. ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ፕሮጀክታትን ትካላት ልምዓት ኢንዱስትሪን ንምስታፍ ኣብ ዝቐረበ ሕቶ መሬት ብምዝታይ ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ቢሮ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ንፋና ዲጂታል ገሊፁ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!