ካብ ሓፋርነት ዝተላቐቐ ፖሊሲ ጉዳያ ወፃኢ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ፖሊሲ ጉዳያ ወፃኢ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ መሰረት ብምግባር ሕቶ በሪ ባሕሪ ኣጀንዳ ገይሩ ይርከብ።
ፖሊሲ ጉዳያ ወፃኢ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ካብ ምኽባር፣ ልምዓ ኢኮኖሚ ካብ ምቅልጣፍን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ምህናፅን ኣብ ለውጢ ዓመታት ብዙሓት ዓወታት ኣመዝጊቡ ኢዩ።
ናይ ለውጢ መንግቲ ፖሊሲ ጉዳያ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ወሰንቲ ዓምዲታት ዲፕሎማሲ ትኹረት ብምግባር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዙሓት ውፅኢታት እውን ከመዝግብ ክኢሉ ኢዩ፡፡
ብፍላይ ኣብ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ፣ ቅድሚት ንጎረባብቲ፣ ዞባዊ ምትእስሳር ከምኡ እውን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ዝድግፍ ፖሊሲ ጉዳያ ወፃኢ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ኢትዮጵያ ሓፍ ዘበሉ ስራሕቲ ተወጊኖም ኢዮም፡፡
ኣብ ዓለም ለኸ ርክባት ብሄራዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ፣ ካብ ሕፍረት ዝተላቐቐን ጥበብን ድፍረትን ዝተመልኦ ኣካይዳ ብምፍጣር ሃፍቲ ተፈጥሮ ኢትዮጵያ ምልማዕ ሓዊሱ ሕቶ በሪ ባሕሪ ኣጀንዳ ንኽኸውን ተገይሩ ኢዩ፡፡
ብፍላይ ፍትሓዊ ዝኾነ ሕቶ በሪ ባሕሪ ወሳኒ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ንኽኸውን ብምግባር እቲ ሕቶ ብዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ከምኡ እውን በዓል ብዙሕ ወገን ትካላት ተቐባልነት ንኽህልዎ ምግባር ተኻኢሉ፡፡
ብሚኪያስ አየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!