Fana: At a Speed of Life!

ካብ መዓድን ወርቂ ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ካብ መዓድን ወርቂ ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ፡፡

ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ሚኒስቴርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ዝተመዝገቡ ሃገራዊ ኣፈፃፅማታት ብምድሃብ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ 26 ቶን ወርቂ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ከምዝቐረበ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ካብዚ ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር በላይ ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ከምዝተኽኣለ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ዓውዲ መዓድን ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ብምዝዛም ናብ ፍርያት እናኣተዉ ከምዝርከቡ እውን ተገሊፁ።

ንኣብነት ድማ ፋብሪካታት ሲሚንቶ፣ ፕሮጀክታት ወርቂን እምኒ ፈሓምን ተዛዚሞም ናብ ፍርያት ምእታዎም ተሓቢሩ።

ኣብቲ እዋን ዝተረኸቡ ሚኒስትር ኣማኻሪ መናእሰይን ስፕርትን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ÷ ዓውዲ መዓድን ዕዙዝ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣመራርሓን ሰራተሕተኛታትን በቲ ዝተረኸበ ዓወቀት እንተይተዘናግዑ ክቕፅሉን ምድንፋዕን ይግባእ ምባሎም ሓበሬታ ሚኒስቴር መዓድን ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.