Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሙዚዬም  ሎቭር ፈረንሳይ ክባር ዝኾኑ ገይፃመይፂ ብምስራቕ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ….

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ሙዚዬም  ሎቭር ፈረንሳይ ክባር ዝኾኑ ገይፃመይፂ ብምስራቕ ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ትማሊ ምሸት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ቤት ፅሕፈት ዓቃቤ ሕጊ ፓሪስ ከምዝበሎ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ዝሰረቕዎም ክባራት ገይፃ መይፂ ብምሓዝ ካብ ሃገር ክወፅኡ ክብሉ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቻርልስ ደ ጎል ኢዮም ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብቲ ሙዚየም ዝፈፀምዎ ስርቂ ዝጠመተ ዝርዝር መረዳእታ ንምፅራይ ፖሊስ ንተወሰኽቲ 96 ሰዓታት ምርመራ ክገብር ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

እቲ ሙዚያም ቅድሚ መዓልታት ሰረቕቲ መስተዋት ብምስባር ብዝፈፀምዎ ስርቆት፥ 102 ሚሊየን ዶላር ዝግመት ካባታት ወርቂ፣ ዕንቊታትን ኣዋርቕን ከምዝተወሰድዎ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተሰረቑ ገይፀ መይፅታት ሳልሰይቲ በዓልቲ ቤት ናፖሊዮን ናይ ዝኾነት መጋየፂ ከምዝርከቦ ተሓቢሩ።

ብሚኪያስ ኣየለ

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.