ካብ ስምዒት ዝፀረየ ኣተሓሳስባን ተግባርን ፖለቲካ ንክሰርፅ ዘኽእል ስራሕ ተኻይዱ-ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ስምዒት ዝፀረየ ኣተሓሳስባን ተግባርን ፖለቲካ ንክሰርፅ ዘኽእል ስራሕቲ ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝብን ተኻይዱ ኢሎም ሓላፊ ዓውዲ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ክብሉ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)።
ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፓርቲ ብልፅግና ገምጋም ኣፈፃፅማ መደባት ባጀት ዓመት 2017 ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ይሳለጥ ኣሎ።
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር)፥ ዓውዲ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ኢትዮጵያዊነት ንክደምቕ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ክብ ንክብል ሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ብዙህነት ዝደመቐት ኢትዮጵያ እናተጠናኸረት ነክትከድን ፅንፈኝነት ንክቕህም ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።
መገዲ ሓድነት፣ ሕብረት፣ ሕውነት ብሕታዊ ዘዋፅእ መገዲ ለውጢ ከምዝኾነ ኢትዮጰያዊያን ንክግንዘቡ ተሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ዓውዲ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ብስፍሓት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ባህሊ ፖለቲካ ንክፍጠር፣ ብዝርርብን ዘተን ዝኣምን ካብ ስምዒት ዝፀረየ ፖለቲካ ኣተሓሳስባን ተግባርን እናሰረፀ ንክኸይድ ዘኽእል ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን ስራሕ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እቲ ዓውዲ ነዚ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ክቕፅሎ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብመለሰ ታደለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!