Fana: At a Speed of Life!

ካብ ባህሊን ስነ ምግባርን ዝወፅአ ዘይንቡር ኣከዳድና ንህዝቢ ዝተርኣዩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ባህሊን ስነ ምግባርን ሃገርና ዝወፅአ ዘይንቡር ኣከዳድና ተኸዲኖም ኣብ ኣደባባይን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥንን ንህዝቢ ዝተርኣዩ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ተጠርጠርቲ ኣብ መበል ሳልሳይ ጂ ፓወር ቲክቶክ ክሬቲቭ ኣዋርድ ካብ ባህሊን ስነ ምግባርን ህዝቢ ኢትዮጵያ ወፃእ ሰብነቶም ዝተቐላለዐ ኣከዳድና ብምኽዳን ኣብ ኣደባባይን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥንን ንህዝቢ ምርኣዮም ፖሊስ ፌዴራል ገሊፁ።

ፖሊስ ነቶም ውልቀ ሰባት ከምኡ ‘ውን እቲ ምድላው ብስፖንሰርነት ዝደገፉን እቲ ፕሮግራም ዘዋደዱን ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ምርመራ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዝወዓሉ ወንጌላዊት ገብረ እንድርያስ፣ በርከት ፀጋዬ፣ መቅድም ደረጀ፣ ግሩም ገዛኸኝን ዮሃንስ መኮንንን ዝተብሃሉ ውልቀ ሰባት ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.