Fana: At a Speed of Life!

ካብ ተካእቲ ፍርያታት ልዕሊ 4 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ብዝተሰርሐ ስራሕ ልዕሊ 4 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምድሓን ተኻኢሉ ኢሉ፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2017 ናብ 6 ነጥቢ 82 ሚኢታዊ ዝበፅሐ ብፅሒት ኢኮኖሚ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 7 ሚኢታዊ ክኸውን ኢዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ብጎስጓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ኣብ ተካእቲ ፍርያታት ዝተመዝገቡ ለውጢታትን ዝቓኒ ዑደት ጉጅለ ሰም ሞያ ሚዲያ እናገበረ ይርከብ።

እቲ ዑደት ኣብ ዝተመረፁ ማእኸለዎትን ዓበይቲን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝካየድ እንትኸውን ኣብ ተካእቲ ፍርያታትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዝተረኸቡ ፍርያታት ንምርኣይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብሄኖክ ለሜ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.