Fana: At a Speed of Life!

ካብ ንግዲ ወፃኢ እንስሳት ፃርከብ ኣታዊ ንምድንፋዕ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ንግዲ ወፃኢ እንስሳት ፃርከብ ኣታዊ ንምድንፋዕ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ሚኒስትር ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ካብ ወፃኢ ንግዲ ትረኽቦ ኣታዊ ንምድንፋዕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሚቕ ሃፍቲ ብምጥቃምን ፅሬት ዘለዎ ፍርያትን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ኣታዊ ሸርፊ ወፃኢ ንምጥንኻር ብቖራፅነት ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ብፍላይ ካብ ንግዲ ወፃኢ እንስሳት ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ መስመር ንግዲ እቲ ዓውዲ ካብ ምዝማን ጀሚሩ ብዙሓ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዋ ሃፍቲ እንስሳት ትረኽቦ ኣታዊ ትሑት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ነዚ ድማ ዘይሕጋዊ ንግዲ እንስሳት ቀንዲ ማሕለኻ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ማእኸላት ዕድጊት እንስሳት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናሃነፀ ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.