ካብ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 37 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 37 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ ኢሎም ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)።
ገምጋም ኣፈፃፅማ ርባዕ ዓመት እቲ ሚኒስቴር ይካየድ ኣሎ።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ ኣብቶም ኣዋርሕ ብኹሎም ዓውዲታት ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢሎም።
ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንምስላጥ ብመሰረት ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዕሊ 1 ነጥቢ 34 ሚሊየን ምዝገባን ፍቓድን ኦን ላይን ምክያዱ ተዛሪቦም።
603 ትካላት ንግዲ ናይ ኢንስፔክሽን ስራሕ ምክያዱ ብምሕባር፥ ካብ መንጎ እዚ እቶም 59 ትካላት ንግዲ ስዑምቲ ከምዝተወሰደሎም ገሊፆም።
ብኻሊእ መዳይ ድማ ምስ መመሓየሺ መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተዛሚዱ ኣድላዪ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ዝገበሩ ልዕሊ 106 ሺሕ ተጋዶ ስጉምቲ ከመዝተወሰደ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ 2 ነጥቢ 84 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ተታሒዙ 3 ነጥቢ 37 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ብፍላይ ካብ ሃፍቲ እንስሳት ግቡእ ረብሓ ነክትረክብ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!