ካብ ኣታዊ መሸጣ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ዝተሃነፁ ስታዲየማት
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ኣታዊ መሸጣ መፅሓፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)“የመደመር ትውልድ” ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማታት ጎዴ፣ ደገሃቡር፣ ኣራርሶን ጅግጅጋን ኣርባዕተ ማእኸለዎት ስታዲየማት ህንፀት እናተኻየደ ይርከብ፡፡
ኣብ ጎዴን ደገሃቡር ዝህነፁ ስታዲየማት ኣፈፃፅመኦም 80 ሚኢታዊ ከምዝበፅሐ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሓላፊ ጉዳያት ካቢኔ ሑሴን ቃሲም (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኣራርሶን ጅግጅጋን ዝተሃነፁ ስታዲማት ህንፀቶም ተዛዚሙ ኣገልግሎት እናሃቡ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው