Fana: At a Speed of Life!

ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ዘለው ብዙሓት ከተማታት ዝረኣናዮ ምዕባለታት ዝተፈላለየ ኣማራፂታት ከምዘለና ዘርእዩ እዩም – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝረኣናዮ ምዕባለታት ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ከምዘለናን ዘርእዩ ዘይተጠቐምናሉ ዓቕሚና እውን ዝገልፁ እዩም ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣርባምንጭ ብተፈጥሮኣ ውቅብቲ እያ፤ኣብታ ከተማ ዘለው ስራሕቲ ኣብ ቀረባ ኣብ ዝረኣናዮ እዋን ፕሮጀክት ገበታ ንወለዶ ሪኢና ኢሎም።

እዚ ስራሕ ዓብዪ ብምዃኑን ኣርባምንጭ ዓበይቲ ጉባኤታታት ክተተኣናግድ የኽእላ ኢሎም፡፡

ቅድሚ ሕዚ ብዝነበረና ኣረኣእያ ስፍሕ ኢሉ ዝተሰርሐ ልምዓት ገምገም ሩባ ኩልፎ ነታ ከተማ ፍሉይ መልክዕ ፈጢሩላ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ናብ ጫካ ኣርባምንጭ ሓደሽቲ መእተዊ መንገድታት ዝተሰርሑ ምዃኖም ብምሕባር፤ ንጎቦታት፣ ማይን ደኒ ከባቢን በሪ መባፅሕ ከምዝኾኑ ሪኢና ኢሎም፡፡

እዚኦምን ካልኦትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዝረኣናዮም ምዕባለታት ዝተፈላለዩ ኣማራፂታት ከምዘለውን ዘይተጠቐምናሎም ዓቕሚታት ዝገልፁ እዮም ክብሉ ሓቢሮም፡፡

እዚ ዕብየት ብሓባራዊ ፃዕሪታት ዓበይቲ ነገራት ከምነዕውት ዘርኢ ግልፂ ምልክት እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.