Fana: At a Speed of Life!

ካብ እዋን ናብ እዋን ትካላት ፌዴራል ንኢትዮጵያ እናመሰሉ ዝመፅኡሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ም/ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ም/ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሰርሑ መካተቲን ኣሳታፊን ስራሕቲ ትካላት ፌዴራል ንኢትዮጵያ እናመሰሉ ዝመፅኡሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኢሎም፡፡

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት ከምዝበሉዎ÷ ፓርቲ ብልፅግና ከም መሪሕ ፓርቲ ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ብኣባልነትን ኣመራርሓን ዝሓቖፈ ኢዩ።

ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍልጦ ካብ ዝተውሃቦም ኩሎም 76 ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ኣመራርሓ ዘለዉዎ ፓርቲ ኢዩ ኢሎም።

ካብ ፌዴራል ጀሚሩ ክሳብ ቀበሌ ኣብ ዘሎ ውዳበ ውሽጢ ናይ ኩሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ተወከልቲ ንረክብ ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ትካልት ፌዴራል ንኢትዮጵያ ክመስሉ ኩሎም ኣብ ውሽጦም ብምሽታፍ ሲቪል ሰርቫንትን ኣመራርሓን ኮይኖም ንምግልጋል ዘኽእል ዕድል ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።

በዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ትካላት ፌዴራል ንኢትዮጵያ እናመሰሉ ዝመፅኡሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣካታታይነትን ፍትሓዊነትን ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ብብርኪ ፌዴራል ዝስርሑ መሰረተ ልምዓታት ፍትሓዊን ተመጣጣኒን ምግባር ዝከኣለሉ ኩነታት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ኣልዒሎም።

ብኣቢይ ጌታሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.