Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብ ዝመሓላለፉ ጉዳያት ኣፈላላይ ክህሉ ኣይግባእን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከም ዓወት ዓድዋ ዝኣመሰሉ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብ ዝመሓላለፉ ጉዳያት ኣፈላላይ ክህሉ ኣይግባእን ኢሎም ተናሓናሕቲ ውድባት ፖለቲካ።

ዜጋታት ኢትዮጵያ ፓርቲ ንማሕበራዊ ፍትሒ (ኢዜማ) ም/መራሒ ኣይተ ዮውሃንስ መኮነን ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበልዎ፤ እዚ ወለዶ ንኹሉ ፅዕንቶ ሓሊፉ ግድብ ህዳሰ ብምዝዛም ዓወት ዘንበረ እዩ፡፡

ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝተፈላለየ ዝንባለታትን ኣረኣእያን ዘለዎም ፖለቲካዊ ሓይልታትን ብሓባር ዘመዝገብዎ ታሪኻዊ ሓወልቲ እዩ ኢሎም፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቅሬታ ዘለዎም ተፃባእቲ ሓይልታት ብምውህሃድ ብቐረባ፣ ብሓሳባትን ብዝተፈላለዩ መገዲታትን ብምድጋፍ ከምዚ ዓይነት ፕሮጀክትታት ንምዕንቃፍ ፈተነ ከገብሩ ምፅንሖም ሓቢሮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.