ካብ ወፃኢ ንግዲ 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 11 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ፡፡
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ትልሚ 11 ኣዋርሕ ሪፖርት እቲ ትካል ሎሚ ናብ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፉ 11 ኣዋርሕ ካብ ወፃኢ ንግዲ 7 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ምርካቡ ገሊፆም፡፡
ኣብ በጀት ዓመት መወዳእታ ሓፈሻዊ እቶት ልዕሊ 8 ቢሊዮን ዶላር ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሮም፡፡
ንግዲ ንምዝማን፣ ሃገራዊ እቶት ንምዕባይ፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ንምግታእ፣ ዋጋ መነባብሮ ንምንካይን መሰረተ ልምዓት ዕዳጋ ንምስፋሕን ዝተኻየዱ ንጥፈታት ንቤት ምኽሪ ኣብራህሪሆም።
ካብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝተለዓሉ ሕቶታት እቶም ሚኒስትር ሓዊሶም ሓለፍቲ ስራሕ ምላሽን መብራህሪሂን ይህቡ ኣለው።
ብመራኦል ከድር
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!