ካብ ግብርና ናብ ኢንዱስትሪ ንዝግበር መሓውራዊ ሽግግር ዓውዲ ኢነርጂ ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ- ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ግብርና ናብ ኢንዱስትሪ ንዝግበር መሓውራዊ ሽግግር ዓውዲ ኢነርጂ ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፥ ዑደት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኮይሻ” ብዝብል ርእሲ ናይ 2018 ዓ.ም ናይ መጀመሪያ 100 መዓልታት ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮኢኮኖሚ ዘተ ኣብ ግድብ ኮይሻ ምስ ሚኒስትራት ኣካይዶም።
ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ፕሮጀክት ኮይሻ ካብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ቀፂሉ ብካልኣይ ደረጃ ዝቕመጥ ግዙፍ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።
ቅድመ ሐዚ ዝነበሩ መራሕቲ ሃፍቲ ማይ ኢትዮጵያ ንምጥቃም ፈተነ ምግባሮም ብምዝኽኻር፥ ይኹን እንበር ፈተነኦም ብብልሓት ዝተዓጀበ ብዘይምንባሩ ሃፍቲ እናለና ከይተጠቐምና ፀኒሕና ኢና ክብሉ ገሊፆም።
ብስለት ዝተመልኦን ሙሉእ መርኣዪን ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዓቕሚ ኢትዮጵያ ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽኣለ ኢዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መስኖን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ዝመፅአ ውፅኢት ብራኸ ኢትዮጵያ በጭቡጥ መገዲ ንምርግጋፅ ዘኽእለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እዚ ክኸወን ዝኸኣለ ብፍሉይ ኣመራርሓን ብስለትን በዝተመልኦ ኣካይዳ ከምዝኾነ እቲ ዓውዲ ከም ዝመርሕ ሰብ ክምስክር እኽእል ኢየ ኢሎም።
ካብ ግብርና ናብ ኢንዱስትሪ ንዝግበር መሓውራዊ ሽግግር ዓውዲ ኢነርጂ ዘለዎ ግደ ልዑል ኢዩ ከምዝኾነ አወን ኣገንዚቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!