Fana: At a Speed of Life!

ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ንበዓል ልደት ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ንበዓል ልደት ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ላዕለዋይ ፀሓፊ እቲ ካውንስል ቄስ ደረጄ ጀምበሩ ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተፈላላያ ሃገራትን ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን በዓል ልደተ እየሱስ ክርስቶስ 2018 ዓ.ም ናይ ታሕጓስን ፍቕሪን ንክኾነሎም ተመኒዮም።

ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ምውላድ ናይ እግዚኣብሄር ይቕረ በሃላይነትን ንደቂ ሰባት ዘለዎ ልዑል ፍቕሪን ዘረእይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ኣመንቲ ወንጌል ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተውሃቦም ፍቕሪ ንካልኦት ምክፋል ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ኣፈላላይ ብይቕረ ይፍታሕ ብምፍታሕ ንዘላቒ ሰላም ንስራሕ ብምባል፥ ብፍላይ ኣመንቲ ወንጌል ፍቕሪን ሰላምን ካብ ምእዋጅ ወፃእ ካሊእ መለኮታዊ ልኡኽ የለን ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ፀገማት ስራሕቲ ለምዓት ብሰለማዊ መገዲ በምፍታሕ ንሓበራዊ ረብሓ ምስራሕ እንተተኻኢሉ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብ ድኽነት ምውፃእ ዝከኣል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብሰለሞን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.