ክልል ትግራይ ሕዚ ካብ ዝኣተወቶ ፀገም ንምውፃእ ሃገራዊ ዘተ ቁልፊ መሳርሒ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ትግራይ ሕዚ ካብ ዝኣተወቶ ፀገም ንምውፃእ ሃገራዊ ዘተ ቁልፊ መሳርሒ ኢዩ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ምስ ዝመፅኡን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡን ተወለድቲ ትግራይ ተዛቲዩ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ኣብቲ ክልል ዝግበር ከይዲ ዘተ ንምጅማር ዝተፈላለዩ ኣማራፂ ምኽረ ሓሳባት ምእካብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘተ ተገይሩ፡፡
መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ክልል ትግራይ ሕዚ ካብ ዝኣተወቶ ፀገም ንምውፃእ ሃገራዊ ዘተ ቁልፊ መሳርሒ ኢዩ።
እቲ ከይዲ ናይ ቁፅሪ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ተሳትፎ ጉዳይ ስለዝኾነ ብዘይ ተሳትፎ ክልል ትግራይ እቲ ዘተ ምሉእ ከምዘይኸውን ኣፅንኦት ብመሃብ ተዛሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!