ክሪስታል ፓላስ ተዓዋቲት ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሽልድ ኮይና
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሪስታል ፓላስ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ንቨርፑል ብምስዓር ተዓዋቲት ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሽልድ ኮይና።
ልዒል ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ኣብ ስታዲየም ዌምብሌይ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ፍፃመ ክሪስታል ፓላስ ንሊቨርፑል ብመፍለዪ ቅላዕ ብምስዓር ኢያ ፅዋዕ ክተልዕል ክኢላ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ስሩዕ ፀወታ 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅት እንትዛዝማ÷ ናይ ሊቨርፑል ሸቶታት ሓደሽቲ ፈረምቲ ሁጎ ኢኪቴኪን ጀረሚ ፍሪምፖንግን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ብወገን ክሪስታል ፓላስ ድማ ማቴታን ኢስማኢላ ሳርን ኣመዝጊቦምወን።
ክልተ ማዕረ ምዝዛሙ ስዒቡ ናብ መፍለዪ ቅላዕ ዘምርሓ ክልቲአን ጋንታታት፤ ክሪስታል ፓላስ 3 ን 2 ብምስዓር ሻምፒዮን ክትከውን ክኢላ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!