Fana: At a Speed of Life!

ክሪስታል ፓላስ ተዓዋቲት ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሽልድ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሪስታል ፓላስ ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ንቨርፑል ብምስዓር ተዓዋቲት ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሽልድ ኮይና።

ልዒል ንሕንሕ ኣብ ዝተርኣየሉ ኣብ ስታዲየም ዌምብሌይ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ፍፃመ ክሪስታል ፓላስ ንሊቨርፑል ብመፍለዪ ቅላዕ ብምስዓር ኢያ ፅዋዕ ክተልዕል ክኢላ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ስሩዕ ፀወታ 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅት እንትዛዝማ÷ ናይ ሊቨርፑል ሸቶታት ሓደሽቲ ፈረምቲ ሁጎ ኢኪቴኪን ጀረሚ ፍሪምፖንግን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ብወገን ክሪስታል ፓላስ ድማ ማቴታን ኢስማኢላ ሳርን ኣመዝጊቦምወን።

ክልተ ማዕረ ምዝዛሙ ስዒቡ ናብ መፍለዪ ቅላዕ ዘምርሓ ክልቲአን ጋንታታት፤ ክሪስታል ፓላስ 3 ን 2 ብምስዓር ሻምፒዮን ክትከውን ክኢላ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.