ክሳብ ሐዚ ኣብ መዋእለይ ከም ባሌ ዝበለ ኩሉ ነገር ኣብ ሓደ ዝሓዘ መሬት ርእየ ኣይፈልጥን -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያውያን ሰሪሕና ንኻልኦት ምሕጋዝ እናተገበአና ንሕና ዘለናሉ ኩነታትን ዝተውሃበና ነገረን ሓቢሩ ኣይኸይድን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓ ብምዃን ኣብ ዝገበርዎ ወግዒ ሶህ ኦመር፥ ንዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት ኣብ መሬት ባሌ ብዙሓት ዝነኣዱ ፀጋታት ተፈጥሮ ርእይና ኢሎም።
ኣብቲ እዋን “ንምንታይ ለመንቲ ንኸውን?” ዝብል ሕቶ ዘተሓሳስብ ከምዝኾነን ዝረኣናዮ ሃፍቲ ተፈጥሮ ካባና ሓሊፉ ንካልኦት ዝተርፍ ከምዝኾነ እዚ ትውልዲ ካብ ምብላዕ ወፂኡ ሃገሩ ብምስራሕ ካብ ልመና ዘውፀአሉ መገዲ ምዝርራብ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያውያን ነቒሕና ሃገርና ሰሪሕና ካሊእ ምሕጋዝ እንትግበአና ንሕና ዘለናሉ ኩነታትን ዝተውሃበና ነገርን ሓቢሩ ክኸይድ ኣይከኣለን ኢሎም።
ብዙሓት ሃገራት ተዘዋዊረ ርእየ ኢየ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እንበር ክሳብ ሐዚ ኣብ መዋእለይ ከም ባሌ ዝበለ ኩሉ ነገር ኣብ ሓደ ዝሓዘ መሬት ርእየ ኣይፈልጥን ክብሉ ኣብሪሆም።
እዚ ተዋሂቡና መሰረታዊ ነገራት ምምላእ ዘይከኣልና ንምንታይ ኢዩ? ንዝብል ሕቶ ምላሽ ኣይረኸብኩሉን ክብሉ ገሊፆም።
ኣብዞም ዛዕባታት ምዝታይ ንሕና ዘበላሸናዮ ዘየመዓራረናዮ ኣርሕቕካ ብምሕሳብ ንፅባሕ ኢትዮጵያ ተስፋ ንክኸውን ብዝተወሰኑ ጀጋኑ ኣእምሮ ውሽጢ ዘርኢ ዝኸወን መልእኽቲ ንትውልዲ ዝሓሸ ሃገር ንምርኣይ ዘኽእል ነገር ይፈጥር ኢዩ ኢሎም።
ካብዚ ኢትዮጵያውያንን ትውልድን ተማሂሮም ብምእካብ ካብዘለናዮ ኩነታት ብምውፃእን ሃገር ሰሪሕናን ብሓባር እንነብር ኣብ ዝብል ዛዕባ ምዝታይ ኣድላይነቱ ኣፅንኦት ሂቦም።
ብዮናስ ጌትነት