ክታበት ምክልካል ሕማም ፖልዮ ይውሃብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ክታበት ምክልካል ሕማም ፖልዮ ሎሚ ተጀሚሩ ኢሉ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ።
እቲ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ፖልዮ ክሳብ 21 መጋቢት 2018 ዝፀንሕ ኮይኑ፤ ዕድሚኦም ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ንልዕሊ 17 ሚሊየን ንምኽታብ ዝዓለመ እዩ።
በዙይ እውን ኣብ ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያ፣ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ፣ ሲዳማ፣ ሶማልን ትግራይን ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ወፍሪ ቅድሚ ሕዚ ዝተኸተቡ ህፃናት እውን ዘጠቓልል ኮይኑ ኣብ መዓስከራት ተመዛበልትን ስደተኛታትን፣ ከምኡ እውን ኣብ መእተዊን መውፅእን መፈተሺ ነቑጣታት ክካየድ ምዃኑ እቲ ኢንስቲትዩት ሓቢሩ።
ስሩዕ ክታበት ምሕያል ሓደ ካብቶም ንፖልዮ ንምጥፋእ ዝጥቀሙሉ ስትራተጂታት ኮይኑ፣ ስሩዕ ክታበት ዘይጀመሩን ዝጀመሩን ዘቋረፁን ህፃናት ንምልላይን ንምኽታብን ፃዕርታት ይካየድ ኣሎ።