Fana: At a Speed of Life!

ክፍሊት ግብሪ ብስርዓት ኤሌክትሮኒክስ ዝፍፅሙ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ይውስኽ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር እቶት ክፍሊት ግብሪ ብስርዓት ኤሌክትሮኒክስ ዝፍፅሙ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ይውስኽ ኣሎ ኢሉ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ማእኸል መረዳእታን ቴክኖሎጂን ኣይተ ክልሉ ታመነ፥ ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ብኤሌክትሮኒክስ መረዳእታ ናይ ምፍላጥ ከይዲ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ በፂሑ ኢሎም።

ብተወሳኺ ካብ 75 ክሳብ 80 ሚኢታዊ ከፍሊታት ግብሪ ምፍፃሞም እቶም ሓላፊ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪቦም።

ኩሎም ከፈልቲ ግብሪ ፌዴራል መረዳእታን ክፍሊትን ኣብ ዘለውዎ ብምዃን ንክፍፅሙ ምግባሩ ከይዲ ኣተኣኻኽባ ግብሪን ስርዓቱን ንክቀላጠፍ ምግባሩ ሓቢሮም።

ስርዓት ክፍሊት ኤሌክትሮኒክስ ናብ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ብምስፋሕ ቆላሕታ ብምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ብማርታ ጌታቸው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.