Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ጀኔራል ደመላሽ ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽነር ጀኔራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ምክትል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ፀፅታን ድሕንነትን ጊልስ ሚቻውድ ተዛቲዮም።

እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝገለፁዎ፤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝውግኖም ልኡኅቶታት ንኽዕወቱ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ግድኡ እናተዋፀአ ይርከብ።

ኣብ ቀፃሊ ነዚ ተግባር ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምርግጋፆም ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል ኣመልኪቱ።

እቶም ምክትል ዋና ፀሓፊ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት መንግስታት ዘለዎም ምትሕብባር ተምሳሌታዊ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.